top of page
  • Issayas Tesfamariam

Eulogy for the late Alamin Abdeletif by Mohammed Said Osman



ቃለ-ሞሳ፡ ገዲም ስነ-ጥበብኛ መምህር ኣልኣሚን ዓብደልለጢፍ ማሕሙድ

መምህር ኣልኣሚን ዓብደል ለጢፍ፡ ኣብ ኤርትራዊ ስነ ጥበብ፡ ሓደ ካብቶም ከፋቲ በሪ ተራ ዜነበሮምን ኣቦ ዛማን ግጥምን ተውለ ክልተ ኤርትራዊ ቋንቋታት እዩ ነይሩ።ኣብ ጒዕዝ ስነ-ጥበቡ ፈጥራውነቱ ከይደኸመ፡ ጣዕሚ ጐሮሩኡ ከይጐደለ፡ ክሳብ ዕለተ መስዋእቱ ዕዘዜ ስነ-ጥበባዊ ስርሓት ዜሃነጸ መምህር ኣልኣሚን፡ ብ12 ታሕሳስ፡ 1939 ካብ ኣቡኡ ዓብደል ለጢፍ ማሕሙድን ኣዲኡ ራየት እድሪስን ኣብ ጊንዳዕ ተወልደ። ኣቡኡ ኣብ ኣስመራ ሓኪም ስለዜ ነበረ ወዲ ክልተ ዓመት እንከሎ ኣብ ኣስመራ መጸ። ኣብ ኣስመራ ክሳብ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ምስ ዚዘመ፡ ናይ ምምህርና ስልጠና ብምውሳድ፡ ብ1962 ኣብ ቤት ትምህርቲ ጃልያ መምህር ኰይኑ ተቈጽረ።

ብንእሽቶኡ፡ ዜንባለ ደርፊ ዜሓደሮ ኣልኣሚን፡ ኣብ ረብዓት ማለት - ያታዊ ጥርናፈ መንእሰያት ደርፍታት ወድ-ኣሚርን ካልኦትን ክደግም ጀመረ። ኣብ መወዳእታ 1950ታት ድማ ምስቲ ፍሉጥ ኣብ ምዕባለ ሙዙቃ ኢትዮጵያ ሉሉይ ተራ ዜተጻወተ፡ ኤርትራዊ ሙዙቀኛ ኣቦበከር ኣሸክሕ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብትግረን ትግርኛን ደርፍታት ክደግም ጀመረ።

ኣልኣሚን ከም ነፍሱ ዜኸኣለ ደራፋይ ኣብ መድረኽ ዜተቐልቐለ፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ ተመሊሱ ኣብ መወዳእታ 1962፡ ኣብ ማሕበር ትያትር ኣስመረ (ማትኣ) ምስ ተጸንበረ እዩ። ኣብ ማትኣ ከኣ መምህር ኣልኣሚን ኣብ ምዕባለ ዘመናዊ ደርፊ ትግረ መራሒ ተራ ዜሓዘ ሰነ-ጥበብኛ ክኸውን በቕዐ። ስነ-ጥበባዊ ኣበርክቶኡ ግን ኣብ ትግረ ጥራሕ ዜተደረተ ኣይነበረን። ብርቂ ስነ-ጠበባዊ መለለዩ መምህር ኣልኣሚን ከኣ ብትግረን ትግርኛን ዓቢ ደራፋይ ምዃኑ እዩ። ደርፍታቱ ስዉር ሃገራዊ መልእኽቲ ዜሓዘለ ብምንባሩ ስምዒት ብዘሓት መንእሰያት ቀሰቀሰ። ኣብ ማትኣ ኣንጻር ስስዐን ተበላጽነትን ክደርፍ ከሎ፣

“ሰብ ንኽብዱ ጥራይ ኣይኰነን ዜነብር

ክሓስብ ኣለዎ ክግምት ክዘክር”

እትብል ደርፉ ትዘከረና።

ወላድ ከረን ወአስመራ

ርኤኩማ ምን ገብእ እት ማይ ዘራ

ሰላም ቦላ እግልዬ ፋጥና ዚህራ፣ ክብል ከሎ ድማ፣

ነታ ኣብ በረኻ ከርተት ትብል ዜነበረት ሰንድቕ ዕላማ ምዃኑ ሰማዕቱ ኣይሳሕትዎን።

“ዓባይ ኣባ ሻውል ሎሚ ክደርፈላ

ከይፈረሰት ከላ ጨሪሳ ብዅላ

ምስታ ንእስነት -እታ ዜዓበኹላ

ዓባይ ኣባ ሻውል ናይ ስልጣነ ጩራ፡

እናበለ ክደርፍ እንከሎ፡ ንቅርስን ዕቃበን፡ ምዕባለን ስልጣኔን ሓሲቡ ምዃኑ መን ይስሕቶ።

ስነ-ጠበባዊ ፍርያት ማትኣ እናሓየለ ኣብ ዜኸደሉ እዋን፡ መምህር ኣልኣሚን ብኽልተኡ ቋንቋታት ኣዜዩ ጸላዊ ደርፍታት ምድራፍ ቀጸሎ። ብፍላይ ከኣ፡ ንባንዴራ ኤረትራ ዜተገጠመት ጸብሒ ጾም፡

ደቂ ጐረቤትና መታን ከቃልሉ -

ጸብሒ ጾም ይብሉኺ መኣዚ ዘይብሉ

እዙ ግን ብኽያት እዩ ኣይትገደስሉ፣ ይብል እሞ፣

ብትግራይት ከኣ፣

ጸላም ታ እድንያ ምን በዲር

ሰርና ጥዑም በሌዕ ወሰርና መሪር

ሰርና ለብስ ድርዕቶ ወሰርና ሓሪር

ሰርና ልትዕብ ወልትጀረስ ሓዙ ነቢር

ሰርና እብ ግሳዩ በሌዕ ምን ኢጸቢር

እዘም እዬ እብ ዙደቼ አዙም ለሓይስ ወነቢር።

እናበለ እዩ ምረት መግዚእቲ ዜገለጸ።

እዙ ብክልተአን ቋንቋታ እናበራረየ ዜደርፎ ዜነበረ ደርፍታት ኣብ ህዜቢ ልዑል ጽልዋ ስለዜ ሕደረ፡ ገዚእቲ ቀጻሊ ይጠማመትዎ ስለዜ ነበሩ ከም ካልኦት ኣባላት ማትኣ ብዘሕ ግዛ ተኣሲሩ እዩ። ይዅን እምበር፡ በዙ ከይተሰናኸለ፡ ደርፍታቱ ቀጸለ። መምህር ኣልኣሚን ሃገራዊ ኣበርክቶኡ ኣብ ስነ-ጥበብ ጥራይ ዜተሓጽረ ኣይነበረን። ኣብ 1960ታት እብ ሓረካ፡ ድሕሪ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ድማ ኣብ ተሓኤ ተወዲቡ፡ ሃገራዊ ግብኡ ኣብርኪቱ እዩ።

ድሕሪ ማትኣ፡ ምስ ጒጅለ “ከዋኽብቲ መርሓባ” ብምጥርናፍ እቲ ካብ ነንሕድሕዱ ዜበላለጽ ፍቕራዊ፡ ማሕበራዊን ኣሃገራውን ደርፍታቱ ብልዑል ወኒ ቐጸሎ። ናይ ጸላእቲ ተጻብኦታት እናሓየለ ምስ ከደ፡ ኣብ መወዳእ 1974 ክስደድ ተገደደ። ኣብ ስደት እቲ ኣብ ኣስመራ ከም ልቡ ክደርፎ ዘይከኣለ ደርፍታቱ ናጻ ዀይኑ ቀጸሎ። መምህር ኣልኣሚን ዚራ ዛምታቱ ከይነጸፈ፡ ፈጠራ ግጥምታቱ ከይደኸመ፡ ስርሓቱ ነቲ ኣብ ስደት፡ ሜዳን ውሽጢ ጸላኢን ዜነበረ ህዜቢ የራኽብን ይጠምርን ነበረ።

ኣብ መፋርቕ 1980ታት ኣብ ጅዳ - ስዑዲ ዓረብ፡ ዜነበሩ ኤርትራውያን ስነ_ጥበበኛታት ከም ጸደይ ኤርትራዊ ስነ-ጠበብ ክግለጽ ዜኽእል፡ ዓቢ ባህላዊ ምንቅስቓስ ኣበጊሶም ነበሩ። ኣብዙ ኣልኣሚን፡ ሉሉይ ተራ ነበሮ። ኣብዙ እዋን እዙ ኣልኣሚን ከም በዓል ይማ፡ ጀልምታ ዜኣመሰላ ህቡባት ደርፍታቱ ብምድራፍ ዓቢ ተራ ተጻወተ። ምስ ኣብ ጅዳ ዜነበሩ ገዳይም ኤርትራውያን ስነ-ጠበበኛታት ከኣ ኣብ ኤርትራዊ ፈስቲቫል ቦሎንኛ 1987 ተሳተፈ።

ኣብ 1988፡ ካብ ስዑድያ ናብ ኣሜሪካ ኣምርሐ። ምስ ኤርትራዊ ማሕበረ-ኮማትን ህዝባዊ ግንባርን ብምትሕብባር ድማ፡ ዜተፈላለየ ምርኢታት እናካየደ ህዜቢ ኣብ ምንቃሕን ምውዳብን ልዑል ተራኡ ኣበርከተ። ክሳብ ዕለተ ናጽነት ድማ ኣብ ኣሜሪካ ብምጽናሕ፡ ኣብ 1994 ጥቕሊሉ ናብ ሃገሩ ተመልሰ።

ብ1996፡ ኣብ ጉጅለ ባህሊ “ሓደ ባህግና” ብምስታፍ ምስ ካልኦት በሃራት ብጾቱ፡ ኣብ ዜተፈላለየ ክፈለ-ዓለማት ዑደት ብምግባር ንባህላዊ ትንሳእ ኤርትራ ብብቕዓትን ተወፋየነትን ኣበርከተ።

ኣብ 1998፡ ኣብ ባህላዊ ጉዳያት ህግደፍ ከቲቱ፡ ብሞያኡ ኣንጻር ወራር ወያነ መከተ። ኣብቲ እዋን እቲ ጥራይ ኣስታት 10 ሃገራዊ ደርፍታት ደረፈ። ብፍላይ፡ እታ ንግፍዒ ወያነ ኣብ ልዕሊ ዜተሰጉ ኤርትራውያን እትገልጽ፡ “ላም ቀርና ኣይከብዳን” እትብል፡ ከምኡ ‘ውን እታ፣

ሎሚ ከም ትማሚ ሃገር ሰብ ኣለዋ

ኣባይ ዜከላኸል ክብራ ዜሕልዋ

ንሃገር ምስያፍ ባጃ ማሕላ ርስቲ

ያታና ይዅን ዜወራርስ ሃብቲ፣

ጽቦራ ክም ጥብ እምኩም ጽቦራ

ታመት ህሌት ኣምዕሉ እት ስሩጊት ለጆራ

ዜብላ ደርፍታቱ ንመኸተ ዜህቢ ዜደርዓ፡ ነበርቲ ዀይነን ኣብ ልብታትና ዜሰፈራ ደርፍታት እየን።

መምህር ኣልኣሚን ብብቕዓት፡ ብኽልተ ኤርትራዊ ቋንቋታት - ትግራይትን ትግርኛን ኣዜዩ ብዘሕ ደርፍታት ዜደረፈ፡ ንውሉድ ወለዶ ዜሰጋገር፡ ቅርሲ ዜገደፈ ዓቢ ኤርትራዊ ስነ-ጥበበኛ እዩ። መምህር ኣልኣሚን ኣብዙ ዘይሓጺር ዕድመኡ ዓቢ ቁም-ነገር ስለዜ ገበረ፡ ሓድጉ ነባሪ እዩ። ደርፍታቱ ካብ ውሉድ ናብ ወለዶ እናተዘከረን እናተዘየመን ዜነብር ሃገራዊ ሓወልቲ እዩ፡ ብሂወት ከሎ፡ እቲ ዜፈተዎ ህዜቡ፡ ፍቕሩ ለጊሱሉ እዩ። ሎሚ፡ ክነፋንዎ ከለና ድማ፡ ብጓሂ ዘይኰነስ፡ ደደርፍታቱ ብውሽጥና እናዘየምና ክነፋንዎ ዘምሕረሉን ዘምሕረልናን ምዃኑ ናይ ኣጋጣሚ ኣይኰነን።

ባህላዊ ጉዳያት ህግደፍ ብመስዋእቲ ገዲም ስነ-ጠበበኛ መምህር ኣልኣሚን ዓብደልለጢፍ መሪር ሓዘን እናተሰምዖ ንስድራ ቤቱን ፈተውቱን ጽንዓት ይሃብኩም ይብል።

ዓወት ንሓፋሽ!

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስውኣትና

8 ነሓሰ 2017 - ኣስመራ

ብስነጥበባዊ መሓመድ ስዒድ ዑስማን ዝቐረበ


91 views0 comments
bottom of page