top of page
  • Issayas Tesfamariam

ነኣማኢት ዓመታት ተበርቢሩ ዘይውዳእ ጸጋታት ከርሲ ኤርትራ

ብ መኮነን ዑቕባስላሴ


እዚ ኣብ ታሕቲ ተጠቒሱ ዘሎ፡ ናይ ኢትዮጵያ ተፈጥራዊ መሬታዊ መጽናዕቲ ዓመት 1967 ክሳብ መወዳእታ 1968 ነዚ መጽናዕቲ ንምክያድ፡ ብሓደ ዶክቶር ወዲ በልጅም ዝምራሕ ምስኡ ዝሰርሑ 2 ኣመሪካውያን 2 እንግልዛውያን ኪኢላታት ዝርከብዎም ኣብ ሙሉእ ኢትዮጵያ እንተላይ ኤርትራ ሓዊሶም መጽናዕቲ ኣዳልዮም ኔሮም።እቲ በልጂማዊ ዝተፈልጠ ናይ ላዕልን ትሕተ መሬትን ኪኢላ ብምንባሩ ኣብ ግዚኡ 6 ሚልዮን ዶላር ተኸፊሉ ካብ ጫፍ ክሳብ ጫፍ ናይ ሽዑኡ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት መጽናዕቱ ኣጻፊፉ ንኑጉስ ሃጸይ ሃይለስላሰ 575 ገጻት ዘለዋ ብመጽሓፍ ኣዳልዩ ኣቕሪብሉ ኔሩ።

እታ መጽሓፍ ኣብ ኦክስፎርድ ዩኒቨርስቲ ላይብረርን፡ስታንፎርድ ዩኒቨርስቲ ላይብረርን ክትረክብዋ ትኽእሉ ኢኹም ናይታ መጽሓፍ ኣዝዩ ዝገርም ትሕዝቶ። ኣብቲ ግዜ'ቲ ኢትዮጵያ 14 ክፍለ ሃገራት ኮይና፡ ኣብ ነብሲ ወከፍ ክፍለ ሃገር ዘሎ መዕድናት ዘርዚራ ኣላ።እቲ ዝገርም ኩለን 13 ክፍለ ሃገር ኢትዮጵያ ውሽጣዊ መዕድን ተደሚሩ ክንዲ ሓደ ርብዒ ሃብቲ ወይ ጸጋታት ኤርትራ የብሎምን።ብጠቕላላ ካብ ሚኢቲ ክምዘን ከሎ፡95.9 ሃብቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ምህላዉ ንገዛእቲ ኢትዮጵያ ዓቢ መርድእ ኔሩ።ኣብ ከባቢ ቃሮራ ዶብ ሱዳን ሰፊሕ መሬት ነዳዲ ከምዘሎ ይሕብር።

ኣስመራን ከባቢኣን ኣብ ልዕሊ ኣዋርቕ ተሰሪታ ከምዘላ ገሊጹ።መሬት ዓዲላምዛይ ከምኡ ኢሉ እዚ ሕጂ ዝብርበር ዘሎ ብሻ ውን ሃብታምናይ ኣዋርቕ ምኻኑ ሓቢሩ።ጎላጉል ባጽዕን ከባቢኣን ሃብታም ትሕዝቶ ነዳዲ ከምዘለዎ ሓቢሩ። ካብ ባጽዕ ንዓሰብ ተበጊሶም ገማግም ባሕሪ ኣብዝጓዓዝሉ ዝነበሩ፡ ማይ ምስ ነዳዲ ዝተሓወሰ ጭቃ ረኺቦም ምንባሮም ይገልጹ። ኣብ ውሽጢ ባሕሪ ዘለዋ ደሲታት ሃብታም ትሕዝቶ ነዳዲ ከምዘሎ ውን ገሊጾም። ነዳዲን ኣዋርቕን ጥራሕ ዘይኮነ፡ነኣማኢት ዓመታት ተበርቢሩ ዘይውዳእ ፖታሽ ዚንጎን ዝኣመሰሉ ጸጋታት ኣብ ከርሲ ኤርትራ ምህላዉ ብሰፊሑ ኣስፊረሞ ኣለዉ።ኤርትራ ክትሓልፎ ዝጸነሐት ኩለንትናዊ ተጻብኦታት፡እቲ ምኽንያት ባህጊ ጸጋታት ኤርትራ ምኻኑ ከይተሓልመ ዝተፈትሐ እዩ። (ሸር በልዎ ወለዶ መለሊት ጹቡቕ ገሮም ከልቁሱ)


ካብ ፌስ ቡክ መኮነን ዑቕባስላሴ ዝተረኽበ


ተወሳኺ ሓበሬታ ካብ kemey.net

ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ኣብ ቦትኡ ከሎ እዘን ሓበሬታ ክውስኸለን;

1) እታ መጽሓፍ 720ን ገጻት ዘለዋ ኮይና Mineral Ocurrenances in Ethiopia ትበሃል:

2) እቲ ዘገርም ኣብ 1975 ኣባላት ኤርትራውያን ንናጽነት ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ (ኤ.ና.ሰ.ኣ)

ጨንፈር ሳን ፍራንሲስኮን ከባቢኣን: "ማዕድናት ኤርትራ: ካብቲ ብዳንኤል ጀለንክ

ዝቐረበ መጽናዕቲ ዝተዋጸአ ጽሑፍ" ኢሎም ንሜዳ ሰዲዶም።






ነቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ኣብ ታሕቲ ይርከብ


minerals in Eritrea EFLNA 1975 Tigrina
.p
Download P • 3.96MB

99 views0 comments

Recent Posts

See All
bottom of page